ዙር ርዋንዳ 2025፡ ሻውዓይን ናይ መወዳእታን ጸወታ ብኣካታዒ መንገዲ ተሰሪዙ

Facebook Twitter LinkedIn
ዙር ርዋንዳ 2025፡ ሻውዓይን ናይ መወዳእታን ጸወታ ብኣካታዒ መንገዲ ተሰሪዙ

ሻውዓይን ናይ መወዳእታን መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ሓጻርን ወሳኒትን መድረኽ እያ ነይራ።

እዛ 74 ኪሎ ሜተር ራሕቒ ዝነበራ መድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ ተብጊሳ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ'ያ ትዛዘም። ተቐዳደምቲ ብድምር 1661 ሜትሪ ሓዂሮም እዮም ናብ መወዳእታ ሕንጻጽ በጺሖም።።

ንብጫ ማልያ ካብ ቀዳማይ መድረኽ ጀሚራ ካብ ኢድ ጋንታ ቶታል ኢነርጂ ኣይወጽአትን። ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ መድረኽ ፋብያን ደበይ ሒዝዋ፣ ካብ ራብዓይ ክሳብ ሓሙሻይ ወዲ ጋንትኡ ጆሪስ ዴልቦቭ ተቐቢልዎ፣ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ሻዱሻይ መደረኽ ከኣ ፋብያን ደበይ ደጊሙ ነታ ብጫ ማልያ ካብ ወዲ ጋንትኡ መንጢልዋ።

ፋብያን ናብዛ መደረኽ ኣብ ልዕሊ ሄኖክ 6 ካልኢት፡ ኣብ ተቐዳዳማይ ባይክ አይድ ኦሊቨር ማትያስ 11 ካልኢት፡ ኣብ ተቐዳዳምይ ሎቲ ሚላን ዲኒ 13 ካልኢት ጸብለልታ ሒዙ'ዩ ኣትዩ።

ዓወት ኣማን ካብ ጋንታ ዩሲኣይ ከኣ ብሓደ ደቂቕን ክልተ ካልኢትን ድሒሩ ኣብ ታሸዓይ። ነታ ትማሊ ዝነበረት ተራር መድረኽ ዝተዓወተላ ናሆም ዘርኣይ ድማ ካብ ቀዳማይ ብሓደ ደቂቕን ፈረቓን ድሒሩ መበል 13 ኰይኑ ነዛ መድረኽ ፈሊምዋ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብጫ ማልያ እገለ ክዕወተላ ይኽእል'ዩ ኢልካ መደምደምታ ክትገብር ኣይከኣልን። ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኣብ ናይ ቛሕ ሰም ግዜ ብዙሕ ነገራት'ዩ ዝፍጠር። ሻውዓይቲ መድረኽ ከኣ ንዅሉ ዝተረፈ ሕቶታት ደምዳሚ መልሲ ክትህበሉ'ያ።

ጸወታ ብኣቈጻጽራ ኪጋሊ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ'ዩ ጀሚሩ።

ናይ ሎሚ መድረኽ ዘይከም ዝሓለፈ መድረኻት ኣብ ምጅማራ ብኪፍኪፍታ ማይ ተሰንያ'ዩ ጸወታ ተጀሚሩ።

ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ናብ 2.1 ደረጃ ዩሲኣይ ካብ ዝዓቢ፡ ናብ ዛዛሚ መድረኽ ብጫ ማልያ ሒዙ ዝኣተወ ተቐዳዳማይ ኣብ መወዳእታ መድረኽ ብጫ ማልያ ዝተሓድገ ተቐዳዳማይ የሎን።

ኣብዛ ናይ ሎሚ መድረኽ ፋብያን፡ ብሄኖክ ምሉእብርሃን ወይ'ውን ካልኦት ተቐዳደምቲ ብጫ ማልያ እንተ ተሓዲጉ፡ ሓዲሽ ክብረ ወሰን ኰይኑ ክምዝገብ'ዩ።

ጸወታ ምስ ተጀመረ ኣብ ውሽጢ 500 ሜትሮ ብዙሓት ተጻወትቲ ስለ ዝወደቑ፡ ጸወታ ን28 ደቓይቕ ደው ኢሉ።

ብጫ ዝሓዙ ቶታል ኢነርጂ፡ ብጫ ዝሓዘ ተጻዋታይና ስለ ዝተሃስየ ጸወታ ደው ይበል፣ ኣብዚ ይዛዘም'ኳ እንተ በሉ፡ ኮምሽነር እቲ ውድድር፡ ጸወታ ክቕጽል ስለ ዝወሰነ፡ ተጻወትቲ ከም ብሓድሽ ተበገሱ ተባሂሎም ጸወታ ጀሚሩ።

እንተዀነ፡ ኣብ ክንዲ ከምቲ መጀመርታ ተወጢንዎ ዝነበረ ሓደ ኪሎ ሜተር ምሉእ ሓደ ዙር (15.4 ኪሎሜተር) ብሓባር ክጓዓዙ ኮምሽነር እቲ ውድድር ወሳነ ሂቡ። ኣብ ዙር ርዋንዳ ከምዚ ከጋጥም እዚ ናይ ፈለማ'ዩ።

ተጻወትቲ ሓደ ዙር ምስ ዘወሩ፡ ኣብ መጀመሪ ሕንጻጽ ደው ኢሎም ጸወታ ሀ ኢሉ ክጅምር ኮምሽነር ምልክት ሂቡ።

ድላይ ጋንታ ቶታል ኢነርጂ ግን ሽዑ'ውን ጸወታ ንኽቋረጽ'ዩ። ምስቲ ኮምሽነር'ውን ይካትዑ ነይሮም። ኮምሽነር ግን ኣብ ውሳነኡ ጸንዐ።

ሕንፍሽፍሽ ዝበዝሖ መዛዘሚ መድረኽ።

እዚ ነታ ኣብ ዝመጽእ መስከረም ውድድር ሻምፕዮና ዓለም ንምድላው ትሸባሸብ ዘላ ርዋንዳ፡ ንምድላዋታ ብኸመይ ክጸልዎ'ዩ ቀስ ኢልካ ዝረአ'ኳ እንተዀነ፡ ጸሊም ጽላሎት ምሕዳጉ ግን ዘይተርፍ ይመስል።

እቲ ካልእ ኣብዛ መደረኽ ዝተዋህበ ወሳነ፡ ናይ መወዳእታ ዙር ብተሪር ዓቐበት እምባ ኪጋሊ ክትሓልፍ'ኳ እንተ ነበራ፡ ኣብ ክንድኣ ኣብዛ ብዙሕ ንምህዳምን ፍልልይ ንምፍጣርን ዘይተርብሕ ናይ 15.4 ኪሎሜተር ኣርባዕተ ግዜ ብምዛር ክትውዳእ ኣብ ምጅማር እቲ ጸወታ ምስ ተሓባር፡ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሳምሶም ሰሎሞን፡ ንብጫ ማልያ ዝሓዘት ጋንታ ዘርብሕ'ዩ ብምባል ነቲ ውሳን ተቓወምዎ፣ ውሳነ ግን ኣይተቐየረን።

ድሕሪ ናይ ሓደ ሰዓትን ዓሰርተ ደቂቕን ትጽቢት ጸወታ ተጀሚሩ። ሓያል ሰኳቶ ብምግባር'ውን ንጸወታ ሓዊ ክነዝሕሉ ጀመሩ።

እዛ መድረኽ ሓጸርን ሓያልን ከም እትኸውን ብኣግኡ ተገሚታ ነይራ'ያ።

ኤሪክ ሞሆጋ ካብ ጋንታ ኣማኒ ዝገበራ ናይ ምምላቝ ፈተን፡ ንዓባይ ጕጀለ ብፍላይ ከኣ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተገዲማ ክትስሕብ ኣገደዳ። ንኤሪክ'ውን ኣርከብዎ።

ናታን መድሃኔ ሳልሳይ ርእሱ ካብ ዓባይ ጕጅለ ብምህዳም፡ ሰለስተ ኰይኖም ናይ በይኖም ጕጅለ መስረቱ። ዓባይ ጕጅለ ግን ብዘገምታ'ያ ትኸይድ ነይራ።

ተቐዳዳማይ ባይክ አይድ ዳዊት የማነ'ውን ራብዓይ ርእሱ ኰይኑ ካብ ዓባይ ጕጅለ ብምምላቝ ንብዓል ናታን መድሃኔ ክቐርብዎም ጀመሩ።

ድሕሪ ከባቢ 14 ደቂቕ'ውን ኣርከብዎም፤ ሸውዓተ ተጻወትቲ ( ክልተ ኣማኒ፡ 1 ኤርትራ፡ 1 ባይክ አይድ፡ 1 እስርኤል ፕሪሜርቴክ ሓደ ካብ ሎቶ፡ 1 ዪኤኢ) ሓንቲ ጕጅለ ብምምስራት ክስሕቡ ጀመሩ። ምስ ዓባይ ጕጅለ ዝነበሮም ፍልልይ'ውን ናብ 40 ካልኢት ኣብጽሕዎ።

ጸወታ ክልተ ጅሮ ተላዒልዎ፡ ክልተ ጅሮ ምስ ተረፎ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተገዲማ ንጸወታ ክትቕልሶ ጀመረት።

ፍልልይ ናይ መራሒት ጕጅለ ግን ካብ ምውሳኽ ዓዲ ኣይወዓለን፣ ሓደ ደቂቕን ርብዕን በጽሐ። ዳዊት የማነ ካብዛ መራሒት ጕጅለ ብተደጋጋሚ'ዩ ክሞሉቕ ዝፍትን ነይሩ። ነዊሕ ከይከደ ግም የርክብዎ ነይሮም።

ጸወታ ክዛዘም 20 ኪሎ ሜተር ምስ ተረፎ፡ ናሆም ዘርኣይ ምስ ሓደ ናይ ቶታል ኢነርጂ ካብ ዓባይ ጕጀል ብምፍንጫል ክልቲኦም ሓንቲ ጕጅለ መስረቱ። መራሒት ጕጅለ ንሓድሕዳ እናተጠቓቕዐት ፋሕ ፋሕ በለት፡ ዳዊት የማነ ከኣ ኣብ ቅድሚት።

ዓባይ ጕጅለ ንብዓል ናሆም ዘርኣይ ብምሕዋስ፡ ነቶም ኣብ ቅድሚት ተበታቲኖም ዝነበሩ ሸውዓተ ተቐዳደምቲ ከተማዕድዎም ጀመረት።

ጸወታ ሓደ ዙር ምስ ተረፎ፡ ደጊሙ ጸወታ ደው በለ። እቶም ኣቐዲሞም ዝሓለፉ ብዓል ዳዊት ግን ገና ጸወታኦም ይቕጽሉ ነበሩ።

ብሰንኪ ማይን እቲ ውድድር ዝካየደሉ ዝነበረ ጽርግያ ሓዲሽ ስለ ዝዀነን ንተቐዳደምቲ ሓደጋ ከስዕብ ይክእል'ዩ ተባሂሉ እቲ ጸወታ ምስራዙ ኮምሽነር እቲ ውድድር ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ናይ ትማሊ ውጽኢት ከም ናይ መወዳእታ ውጽኢት ክሕሰብ'ዩ።

ቅድሚ ሕጂ ነዚ ውድድር ዝተዓወትሉ፤

ሎሚ ዓመት ንመበል 17 ግዚኡ ዝተኻየደ ዙር ርዋንዳ፡ እቲ 10 ግዜ እቲ ዙር 2.2 መለክዒ እንከለዎ ዝተኻየደ ኰይኑ፡ እቲ ዙር ናብ 2.1 ክብ ምስ በለ ግን ሎሚ ዓመት ንሻውዓይ ግዚኡ'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

2019፡ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ምስ ጋንታ ኣስታና ብምዃን፣

2020፡ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምዃን፣

2021፡ ስጳኛዊ ክሪስትያን ሮድሪገዝ ምስ ጋንታ ቶታል ኢነርጂ ብምዃን፣

2022፡ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ ጋንታ ኣንድሮኒ ጅያካቶሊ ብምዃን፣

2023፡ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉብርሃን ምስ ጋንታ ግሪን ፕሮጀክት ባርድያኒ ብምዃን፣

2024፡ ጆሴፍ ብላክሞር ምስ ጋንታ እስራኤል ፕሪሜርቴክ ብምዃን ተዓዊተምሉ።

ዙር ርዋንዳ ናይ 2.2 መለክዒ ኣብ ዝነበረሉ ኤርትራዊ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2010 ነዚ ውድድር ተዓዊትሉ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ።

admin

admin

Content creator at LTD News. Passionate about delivering high-quality news and stories.

Comments

Leave a Comment

Be the first to comment on this article!
Loading...

Loading next article...

You've read all our articles!

Error loading more articles

loader