መሳይ ተመስገን ኣብ ከባቢኣ ክትጻወት እንከላ፡ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ዘይንኣዳ ኣይነበረን፣ 'እዛ ቈልዓስ ኣብ ዓብዪ ቦታ ክትበጽሕ'ያ' ዝብል ብዙሕ እዩ ዝነበረ።
ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝካየዱ ጸወታታት "ብልጽቲ" ተጻዋቲት ኵዕሶ እግሪ ምዃና ንምምስካር ግዜ ኣይወሰደላን።
ቀልጢፋ ኣብ ዓበይቲ መድረኻት ክትርአ ድማ ኣኽኢሉዋ እዩ።
ካብ ቤት ትምህርቲ ወረዳ፡ ዞባ፡ ክልል ወኪላ ንምጽዋት "ኣዝዩ ሓጺር" ወሲዱላ።
ግዜ ከይወሰደት፡ "ፕሮፌሽናል" ተጻዋቲት ኵዕሶ እግሪ ኰይና ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ደቀንስትዮ ኢትዮጵያ ተጻዊታ።
ብተመሳሳሊ ፍጥነት ግን፡ ኵሉ ነገራት ተቐይሩ ካብ ኵዕሶ እግሪ ርሒቓ።
ሕጂ ኣብ ምንታይ ኣላ?
ኣብ ክልል ደቡብ ከተማ ሆሳእና እያ ተወሊዳ።
"ዝበዝሕ ዕድመይ ኣብ ኵዕሶ እግሪ እየ ኣሕሊፈዮ፡" ትብል።
ብ2006 ዓ.ም [ኣ.ግ] ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ኣብ ዝተኻየደ መላእ ጸወታታት ደቡብ፡ ንመሳይ ዘካተተት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ዞባ ሆሳእና ተሳቲፋ ነይራ።
እዚ ውድድር፡ ንመሳይ ብዙሕ ዕድላት ዝኸፈተ'ውን ነይሩ።
ኣብቲ እዋን፡ ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ከተማ ሃዋሳ ሒዙ ናብቲ ቦታ ዝኸደ ኣሰልጣኒ ዮሴፍ ገብረወልድ፡ ኣተሓሕዛ ኵዕሶ መሳይ ተስፋ ዘለዎ ምዃኑ ስለ ዝኣመነ፡ ናብታ ዘሰልጥና ጋንታ ክትፍርም ወሲኑ።
ንሱ፡ ዓብዪ ውዕለታ ከም ዝወዓለላ እያ ትዛረብ።
ኣብቲ ወድድር ዘርኣየቶ ብቕዓት፡ ንኽልል ደቡብ ወኪላ ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝካየድ መላእ ጸወታታት ኢትዮጵያ ክትምረጽ ክኢላ እያ።
መሳይ፡ ኣጥቃዒት ኰይና ኣብ ዝተሰለፈትላ ጋንታ ደቀንስትዮ ክልል ደቡብ፡ እታ ጋንታ ኣብቲ ውድድር ክትዕወት ክኢላ።
ኣብዚ፡ ኮኸብ ተጻዋቲት ኰይና ዝወድኣትሎም ጸወታታት'ዮም ነይሮም።
መሳይ ብዛዕባ እዚ ውድድር ከተዘንቱ እንከላ፡ "ብዙሓት ዝሓሹ ነገራት ርእየሉ'የ፣ ልምዲ ረኺበሉ። ብዙሕ ከም ዘለኒ'ውን ክግንዘብ ዘኽኣለኒ ብምዃኑ ድሕሪኡ ንነብሰይ ከም ፕሮፌሽናል ክርእያ ጀሚረ፡" ትብል።
ድሕሪ'ዚ ውድድር፡ መሳይ ብዙሓት ጋንታታት ክደልያኣ ጀሚረን።
ኣብ ፕረምየር ሊግ ደቀንስትዮ ኢትዮጵያ ዝሳተፋ ጋንታታት ክትፍርም ሓቲተንኣ።
'ፈርምልና ካብ መንጎ ዝበልኣ ጋንታታት፡ ሃዋሳ ከነማን ሲዳማ ቡናን ይርከብአን።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ንኽልቲአን ጋንታታት ፈሪማ።
እዚ "ብዘይፍላጠይ ዝገበርኩዎ'ዩ፡" እትብል መሳይ፡ በዚ ጥፍኣተኛ ኰይና ስለ ዝተረኽበት ንኽልተ ዓመታት ተቐጺዓ።
ጋንታ ሃዋሳ ከነማ ይግባይ ምስ ሓተተት፡ ድሕሪ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ናብ ኵዕሶ እግሪ ተመሊሳ።
"በቲ ዝረኽቦ ደሞዝ እየ ስድራይ ዝሕግዝ ነይረ። ኣቦይ ምሳና ኣይነበረን። ንኣደይ ዝሕግዛ ኣነ'የ።"
ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝነበራ ጻንሒት፡ ሃዋሳ ከነማ ኣብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዋንጫ ዓተረት።
መሳይ ድማ ኣብ ፕረምየር ሊግ ደቀንስትዮ፡ ካልኣይቲ ዝለዓለ ሸቶ ዘቝጸረት ተጻዋቲት ኰነት።
ብተደጋጋሚ ኮኸብ ኰይና ተሓርያ።
ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዝተቛረጸ ፕረምየር ሊግ 2012፡ ዝለዓለት ሸቶ ዘቝጸረት እያ ነይራ።
ምስ እዚ ኵሉ ዓወታታት ግን ሰፍ ዘይብል ብድሆ ገጠሞ።
'ጾታኣ ልክዕ ኣይኰነን' ተባሂለ
ኣብ ውሽጢ ሃዋሳ ከነማ ውጽኢታዊ ግዜ ከተሕልፍ ዝጀመረት መሳይ፡ ቅሬታ ክቐርበላ ጀሚሩ።
"ጾታኣ ልክዕ ኣይኰነን፡" ብዝብል ድማ ኣሰልጣኒ እቲ ፕረምየር ሊግ ናብ ፈደሬሽን ኵዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ቅሬታ ኣቕሪቡ።
በዚ ምኽንያት መሳይ "ክትምርመር" ኣለዋ ተባሂሉ።
እቲ ፈደሬሽን ድማ ናብ ሆስፒታል ዳግማዊ ሚኒሊክ መሳይ "ንኽትምርመር" ዝሓትት ደብዳበ ጽሒፉ።
"ተመርሚረ፡ እቲ ውጽኢት ድማ 'ክትጻወቲ ትኽእሊ ኢኺ፡' ዝብል ነይሩ። እዚ ውጽኢት ድማ ናብቲ ፈደሬሽን ተላኢኹ። ንኽጻወት ተፈቒዱለይ፡" ትብል።
ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ቢቢሲ ንኽፍሊ ሕክምና ስፖርት ፈደሬሽን ኵዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣዘራሪቡ'ዩ።
እዚ ክፍሊ፡ ኣብ መስከረም 2015 ዓ.ም [ኣ.ግ] ከም ዝተጣየሰ ዝገልጽ ዳይረክተር ዶ/ር ሳሙኤል የሺዋስ፡ "[ቅድም ኢሉ] ዝተጀመረ ነገር ከም ዘሎ እፈልጥ'የ፡ ግን ውሳነ እቲ መርመራን ጸብጻብን ናብ ኢደይ ኣይበጽሐን፡" ኢሉ።
ዝዀነ ኰይኑ፡ መሳይ ኣብቲ ዓመት እቲ ዳግም ናብ ስፖርት ተመሊሳ።
እቲ ናይ ውድድር ዘመን ክዛዘም እንከሎ፡ ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ምክልኻል ንመሳይ ኣፈሪማታ።
ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ምስኣ ነታ ጋንታ ንዝፈረማ ካልኦት ክልተ ደቀንስትዮ ደሞዝ ከም ዝኣተወለን ዝገልጽ መልእኽቲ ጽሑፍ ክበጽሐን እንከሎ፡ መሳይ እዚ መልእኽቲ ኣይበጽሓን።
ሓቲታ - ዝተቐየረ ነገር ግን ኣይነበረን።
"ደሞዝ ኣይኣተወለይን ኢለ ክሓትት ከለኹ፡ እቲ ፈደሬሽን 'ናታ ውዕል ኣይከነጽድቘን ኢና ኢሉ'ዩ፡' ኢሎምኒ። ሰንቢደ፡" ብምባል ካልኣይ መርመራ ክትገብር ተነጊሩዋ።
እዚ ግቡእ ኣይኰነን እትብል መሳይ፡ እቲ ውሳነ እንተ ዘይተሓጐሰትሉ'ውን ዳግም መርመራ ክትገብር ተሰማሚዓ።
"ኣነ ፈቒደ ዘምጻእኩዎ ነገር ኣይኰነን። ዝሓብኦ ነገር'ውን ስለ ዘይኰነ ካልኣይ ተመርመሪ ክብሉኒ ከለዉ፡ 'ሕራይ' እየ ኢለዮም። መጀመርታ ወዲ እያ ኢሎም እዮም መርሚሮምኒ። ዳግም ሓካይም እቲ ፈደሬሽን ምስ መርመሩኒ ሆርሞንኪ ክዕረ ኣለዎ ኢሎም።"
መሳይ፡ ብዛዕባ እዚ ክዕረ ኣለዎ ዝተባህለ ሆርሞን፡ ክንደይ ዝኣክል መጠን ዝብል ዝርዝር ሓበሬታ የብላን።
ይዅን'ምበር፡ እዚ ልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ክወስዱ'ዩ ዝተባህለ "ሕክምና ሆርሞን" ንምግባር ብድሆ ኣጋጢሙዋ።
ነዚ ሕክምና ንምግባር ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምልላስ ግድን ኰነ።
"ብዙሕ ወጻኢ ገይረ። ኣብ ኢደይ ዝነበረ ገንዘብ ወዲአዮ፣ ዝዀነ ለውጢ ግን ኣይመጽአን። መርመራ ብዝብል ካብ ሆሳእና ናብ ኣዲስ ኣበባ ይመላለስ ነይረ። [ኣብ ኣዲስ ኣበባ] ዘመድ የብለይን። ኣብ ሆቴል'የ ዝጸንሕ ነይረ። ብዙሕ ነገር ኣሕሊፈ'የ። ልዕሊ ዓቕመይ ምስ ኰነ፡ ዝሕግዘኒ ምስ ስኣንኩ እቲ መርመራ ደዉ ኣቢለዮ። ድሕሪኡ ኣብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ናብ ዝረኽቦ ስራሕ ተመሊሰ፡" ትብል።
ወሲኻ፡ "እቲ ፈደሬሽን ኣይሓገዘንን፣ ኣብ ጐነይ'ውን ሰብ ኣይነበረን፡" ኢላ።
መሳይ፡ እኹል ሓበሬታ ከም ዘይተዋህባን ወግዓዊ ብዘይኰነ መገዲ ካብ ኵዕሶ እግሪ ከም ዝተሰናበተትን ትዛረብ።
ናይ መጀመርታ ውጽኢት መርመራ "ምስ ጋንታ ሃዋሳ ከነማ ነይሩ። ናብ ካልእ ክለብ ክትኸይድ'ያ ዝበሃል ነገር ስለ ዝነበረ፡ ሃዋሳ ከነማ እቲ ውጽኢት መርመራ ኣይሃበነን፡" ትብል።
ንሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ክትጻወት ምስ ተመርጸት፡ ፈደሬሽን ኵዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ መርመራ ከም ዝገበረ እቲ ሓላፊ ገሊጹ።
መሳይ፡ ቅድም ኢላ መርመራ ምስ ገበረት ክትጻወት ፈቓድ ምስ ረኸበት ስለምንታይ ዳግም ክትምርመር ተገይሩ? ዝብል ሕቶ ዘቕረብናሉ ዶ/ር ሳሙኤል፡ "ቅድሚኡ መርመራ፡ ሃለወ ኣይሃለወ ዝብል ሕቶ ኣይነበረን። ኣብ ትሕቲ እዚ ፈደሬሽን ኣብ ዝካየዱ ውድድራት ዘላ ዝዀነት ጓለንስተይቲ ተጻዋቲት ንፍትሓውነትን ግቡእን ኵዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ስለ እትግዛእ፡ ኣብ ዝዀነ ሰዓት መርመራ ክንገብር ስለ እንኽእል እቲ መርመራ ገይርናዮ። እቲ ውጽኢት ድማ ሎሚ ካልእ፡ ጽባሕ ድማ ካልእ ዝዀነሉ መገዲ የሎን፡" ኢሉ።
ፖሊሲ ግቡእነት እቲ ፈደሬሽን ዓለምለኻዊ ሕጋጋት መሰረት ዝገበረ'ዩ እውን ይብል።
"ዝዀነ ሰብ 'ወዲ ኢኻ ወይ ጓል ኢኺ' ኢልና እንውስነሉ ዝዀነ ዓይነት ባይታ የሎን" ዝብል ዶ/ር ሳሙኤል፡ ኣብ ውድድራት ንምስታፍ መጠን ሆርሞንን ክሮሞዞማትን ከምኡ'ውን ውሽጣዊ ቅርጺ ሰብነት ዝምልከት ረቛሒታት ክማልኡ ከም ዘለዎም ይጠቅስ።
"ነዚ ኣማሊኦም ናብ ውድድር ዝምለስሉ መንገዲ ኣቐሚጥና ኢና፡" ብምባል መሳይ "ዘየማልኣቶም ጉዳያት ኣለዉ፡" ኢሉ።
ዶ/ር ሳሙኤል፡ እታ ተጻዋቲት "ዘየማልኣቶም ጉዳያት ኣለዉ፡" ካብ ምባል ብዝሰገረ "ውጽኢት ሕክምና ብምስጢር ምትሓዙ፡" ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ከም ዘይክእል ተዛሪቡ።
እቲ ፈደሬሽን ድማ ወጻኢታት እቲ መርመራ ናይ ምሽፋን ሓላፍነት የብሉን ኢሉ።
ኣብ ዓውዲ ስፖርት መዕለቢ ዘይረኸበ ኣፈላላይ ዕብየት ጾታ
እዚ ጉዳይ ኣብ መሳይ ጥራሕ ዘጋጠመ ኣይኰነን።
ብዙሓት ኣብ ኣህጉራዊ ሜዳታት ስፖርት ዝርከቡ ስፖርተኛታት ብሰንኪ ጾታኦም ኣብ ጸገም ይኣትዉ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ሓደ ኦሎምፒክ ክልተ ወርቂ መዳልያ ዝዓተረት ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኣትሌት 800 ሜትሮ ካስተር ሰመንያ ትጥቀስ።
ኣህጉራዊ ማሕበር ፈደረሽናት ኣትሌቲክስ (IAAF) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰመንያ ልዑል መጠን ተፈጥሮኣዊ ቴስቶስትሮን ከም ዘለዋን እዚ ድማ ኣብ ሻምፕዮን ኤውሮጳ 2017 "ካብ ካልኦት ተወዳደርቲ ብልጫ" ከም ዝሃባን ገሊጹ ነይሩ።
እታ ኣትሌት ግን ነዚ ኣይትቕበሎን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ ኣብ ውድድር ጕስጢ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋ ኣልጀርያዊት ኢማኒ ካሊፍን ታይዋናዊት ሊን ዩ-ቲንግን እውን ምስዚ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር ሓያለ ክትዓት ተላዒሉ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።
ፍልልይ ምዕባለ ጾታ ዘለዎም ሰባት (differences of sex development/DSD)፡ መብዛሕትኡ ግዜ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ ምዃኖም ብንጹር ከነለልዮም ዘኽእለና ባህርያት የብሎምን።
ከምዚ ዓይነት ባህሪ ዘለዎም ሰባት ኣብ ጀነቲክስ፡ ቴስቶስትሮን፡ ክሮሞዞም፡ ሆርሞናትን ኣካላት መፍረን ፍልልይ ክህልዎም ይኽእል።
ስለዚ፡ ጾታዊ ፍልልይ ዘለዎም ሰባት ኣብ ስፖርት ካብ ካልኦት ብልጫ ኣለዎም ድዩ? ነዚ ሕቶ እዚ ኣብ መንጎ ተመራመርቲ እውን እንተዀነ ውዱእ መልሲ የሎን።
ገሊኦም ከምዚ ዓይነት ባህሪ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣካላዊ ሓይሊ ብልጫ ክህልወን ይኽእል እዩ ይብሉ።
ሓደ እዋን ብቢቢሲ ብዛዕባ ፍልልያት ጾታ ቃለመሕትት ዝገበረሉ ኣብ ኢንስቲትዩት ስፖርት ማንቸስተር ሜትሮፖሊታን ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ኣሉን ዊልያምስ፡ ህላወ 'ዋይ' ክሮሞዞም ጥራሕ ንሓደ ሰብ ወዲ ተባዕታይ ወይ ጓል ኣንስተይቲ እዮም ንምባል እኹል ከም ዘይኰነ ይገልጽ።
ኣብ ቀንዲ ዓውዲታት ስፖርት ተመራማሪ ሞለኪዩላዊ ጀነቲክስ ዝዀነ ዶክተር ሼን ሄፈርማን ብወገኑ፡ ዝተፈላለየ ዕብየት ጾታ ዘለዎም ስፖርተኛታት የጽንዕ ኣሎ።
ነፍሲ ወከፍ ዝተፈላለየ ጾታዊ ምዕባለ ዘለዎ ሰብ ነናቱ ፍሉይ ኵነታት ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ንዅሎም ከምዚ ዓይነት ባህሪ ዘለዎም ሰባት ብሓደ ዓይነት መንገዲ ምፍራድ ግቡእ ከም ዘይኰነ ይምጕት።
ንኣብነት፡ ኣንድሮጅን ኢንሰንሲቲቪቲ ሲንድሮም (Androgen Insensitivity Syndrome) ዝበሃል ኣፈላላይ ዕብየት ጾታ ዘለዋ ጓለንስተይቲ መብዛሕትኡ ግዜ መግለጺ ወዲ ተባዕታይ ዝዀነ ኤክስ ክሮሞዞም [XY] ከም ዘለዋ ይጠቅስ።
እዚ ጥራሕ ዘይኰነስ ካብ ደቀንስትዮ ዝለዓለ መጠን ቴስቶስትሮን እውን ተፍሪ።
ይዅን እምበር፡ ኣካላታ ነዚ ከወሃህድ ኣይክእልን እዩ።
ስለዚ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ዝዀነ ይዅን ብልጫ ዝህባ ጥቕሚ ከም ዘይብሉ የረድእ።
እዚ ድማ ኣብ ውድድር ንዝሕተቱ ረቛሒታት ግቡእነት ሕቶታት ከም ዘልዕል ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ ኣህጉራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ንተሳትፎ ዝምልከት ዘቐመጦም ረቛሒታት፡ ነቲ ሕጂ ዘሎ ሳይንስ መሰረት ዝገበሩ ኣይኰኑን ይበሃል።
ስለዚ ድማ እዩ ሓደ ካብቶም ብዙሓት እዚ መለክዒ ዳግማይ ክሕሰበሉ ዝሕተት።
ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ፡ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ብዛዕባ ብዙሕነት ጾታ ዝምልከት መምርሒ መሰረት ብምግባር ተመሳሳሊ መምርሒታት ኣዳልዩ ኣሎ።
በዚ መሰረት፡ መሳይ ነዞም ረቛሒታት ከም ዘይተማልእ ተገሊጹ።
ይዅን እምበር፡ ብዛዕባ ውጽኢት ናይቲ መርመራ እኹል ሓበሬታ ከም ዘይተዋህባን ውጽኢት ናይቲ መርመራ ኣብ ኢዳ ከም ዘየሎን ትገልጽ።
"ዓቢ ሕልሚ ነይሩኒ"
መሳይ ኣብ ውድድራት ክትሳተፍ እንከላ ብዙሕ ትድሃል።
"እዚ ካብ ኣርባ ምንጭ [መጀመርታ ዝወዳደረትሉ] ጀሚሩ'ዩ ዝነበረ'ዩ፡" ትብል።
"ነገራት ካብ መጠን ንላዕሊ ምስ ዝዀኑ ሕማቕ እስምዓኒ። ገለ ሰባት ከም ሕማቕ ፍጥረትን ኣብ ነብሰይ ዘምጻእኹዎ ነገርን ገይሮም'ዮም ዝርእዩኒ። ስምዒተይ ዝጐድእ ነገራት ዝዛረቡ ኣለዉ። ግን ፈጣሪ ብፍቓዱ እዩ ፈጢሩኒ ስለ ዝብል ኣቕልል ኣቢለ ክሓልፎ ይፍትን፡" ኢላ።
ንውድድር መላእ ኢትዮጵያ ናብ ባህርዳር ክትገይሽ እንከላ ዘጋጠማ ነገር ግን ፈጺማ ኣይትርስዖን እያ።
"'እዚ ወዲ'ዩ' ኢሎም ብዙሓት ሰባት ካብ ትሪቡን ወሪዶም ከቢቦምኒ። ንመጀመርታ ግዜይ ስለ ዝነበረ ቍሩብ ሰንቢደ። ግን እናጸረፉኒ ወጺአ ከይደ፡" ትብል።
ኣብ ኣፍሪቃ ይዅን ብደረጃ ዓለም ንዓኣ ዝመስል ተፈጥሮ ዘለወን ደቀንስትዮ ክትርኢ እንከላ፡ "ኣነ'ውን ተስፋ ኣለኒ፡" ትብል።
ኣብ ጸወታታት ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ጐድኒ ሎዛ ኣበራ ንሓጺር እዋን ክትጻወት ዕድል ዝረኸበት መሳይ፡ ኣብዚ ሕጂ ሎዛ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ክትበጽሕ ትብህግ።
"ሕልመይ ዓቢ'ዩ ነይሩ። ምሉእ ህይወተይ ፈተናታት ዝተመልአ'ዩ። ሕጂ'ውን ምቅላስን ናብ ኵዕሶ እግሪ ምምላስን እየ ዝደሊ፡"።
እቲ ዝዓበየ ጸገም ግን ከመይ ገይርካ "ትቃለስ" ዝብል ዘይምፍላጥ እዩ። መንገዲ ዘርእያ፡ ዝመርሓ ሰብ የብላን።
ስለዚ ድማ እያ ሕልማ ገዲፋ ኣብታ ዝተወለደትላ ከተማ ኣቑሑት ምጽዓንን ምርጋፍን ትሰርሕ ዘላ።
"ዋላ'ኳ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ንሓጺር ግዜ እንተ ጸናሕኩ፡ ብዙሕ ተጠቂመ'የ። ኵዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ዝነበርኩሉ እዋን ሕጂ ዝሓሸ'ዩ። ኣብ ኵዕሶ እግሪ እንተ ዝቕጽል ግን ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ምበጻሕኩ ነይረ፡" ትብል።
Comments
Leave a Comment