ፍሮንቴክስ፡ ብዛዕባ ስደት ናብ ኤውሮጳ እንታይ ይብል?

Facebook Twitter LinkedIn
ፍሮንቴክስ፡ ብዛዕባ ስደት ናብ ኤውሮጳ እንታይ ይብል?

ብዝሒ ዘይስሩዕ መስግጋር ሰባት ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ 2024 ኣዝዩ ከም ዝነከየ፡ ትካል ቍጽጽር ዶባት ሕብረት ኤውሮጳ - ፍሮንቴክስ - ሓቢሩ።

እዚ ከኣ ኣንጻር መርበባት ዘይሕጋዊ ምስግጋራት ዝተገብረ ምትሕብባርን ጻዕርን ስለ ዝሓየለ ዝተረኽበ ውጽኢት ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ዋርሶ ዝመደበሩ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብቲ 27 ኣባላት ዝሓቘፈ ውድብ ሕብረት ኤውሮጳ ብዘይ ስሩዕ መንገዲ ዝኣትዉ ሰባት ብ38 ሚእታዊት ከም ዝነከየ ሓቢሩ።

እንተዀነ፡ እቲ ኣሃዝ ሰባት ክንደይ ግዜ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶባት ሕብረት ኤውሮጳ ክሰግሩ ከም ዝተታሕዙ እምበር፡ ክንደይ ዓይነት ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገራት ክሰግሩ ከም ዝፈተኑ ዘርኢ ኣይኰነን።

ፍሮንቴክስ፡ ሓድሓደ ግዜ ሓደ ሰብ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብተደጋጋሚ ዶብ ክሰግር ከም ዝኽእል ይሕብር።

እቲ ትካል፡ ኣብ 2024 ልዕሊ 239 ሽሕ ብዘይስሩዕ ኣገባብ ዶባት ክሰግሩ ከም ዝተታሕዙን ድሕሪ 2021 ዝወሓደ ቍጽሪ ከም ዝተመዝገበን ገሊጹ። ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 በቲ ዝነበረ ዕጽዋ ዝወሓደ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝተራእየሉ እዩ።

ዘይሕጋዊ ምስጋር ዶባት ብሓፈሻኡ እኳ እንተ ነከየ፡ ገና ብድሆታት ይቕጽል ከም ዘሎን ሓያሎ ሰባት ብጃላቡ ክሰግሩ ህይወቶም ይስእኑ ምህላዎምን እቲ ትካል ይሕብር።

እቶም ነቲ ምስግጋር ዘካይዱ ጕጅለታት ድማ እናሻዕ ሜላታቶም ከም ዝቕይሩ ይገልጽ።

ቍጽሪ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣትዉ ይውሕድ እኳ እንተ ሃለወ፡ ንብዙሓት ሰባት ግና ናብ ኤውሮጳ ዝኣቱ ዘሎ ዘይሕጋዊ ስደተኛ ይውስኽ ዘሎ ኰይኑ ይስምዖም።

እዚ ጉዳይ፡ ካብ 2015 ኣትሒዙ ንፖለቲካዊ ህይወት ኤውሮጳ ዓብሊሉዎ ጸኒሑ እዩ። ኣብቲ እዋን፡ ብሓንሳብ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛ ናብ ኤውሮጳ ኣትዮም - ዝበዝሑ ካብኦም ካብ ኲናት ሶርያ ዝሃደሙ ምንባሮም ይዝከር።

እዚ ድማ ነቶም ጸረ ስደተኛታት መርገጺ ዘለዎም ሕሉፋት የማናውያን የበርትዖም ኣሎ፣ ዋላ ኣብ ከም ኦስትርያን ጀርመንን ዝኣመሰላ ሃገራት።

ፍሮንቴክስ፡ እቲ ጠቕላላ ብዝሒ ዝነከየ ብኣውራኡ ብማእከላይ ባሕሪ ዝግበር ጕዕዞ ብ59 ሚእታዊ ስለ ዝነከየ ምዃኑ ይገልጽ። እዚ ድማ ካብ ቱኒዝያን ሊብያን ዝነቕሉ ብዝሒ ሰባት ስለ ዝወሓደ ምዃኑ የመልክት።

ብተወሳኺ፡ ኣብ መስመር ምዕራባዊ ባልካን ውሁድ ጻዕርታት ከም ዝተኻየደ ብምግላጽ፡ ብ78 ሚእታዊት ከም ዝነከየ ይጽብጽብ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብወገን ምብራቓዊ ዶባት ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ቤላሩስ ዋሕዚ ስደት ከም ዝወሰኸ ይገልጽ።

ናብተን ናብ ገማግም ባሕሪ ኣፍሪቃ ቀረባ ዝዀናት ደሴታት ስጳኛ ጕዕዞ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብ18 ሚእታዊት ወሰኽ ተመዝጊቡ። እዘን ደሴታት ካናሪ ናብ ውሽጢ ኤውሮጳ ንምእታው ከም ኣማራጺ ዝርኣያ ቦታታት እየን።

እቲ ኣብኡ ዝተመዝገበ 47 ሽሕ ቍጽሪ ስደተኛታት፡ ፍሮንቴክስ ካብ 2009 ኣትሒዙ ሓበሬታ ክእክብ ካብ ዝጅምር ዝለዓለ ብዝሒ እዩ።

መግለጺ ፍሮንቴክስ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ መስመር ምዕራባዊ ባልካን ብኣሰጋገርቲ ዝፍጸም ዓመጽ ይውስኽ ከም ዘሎ እዩ።

እቲ ኣብ ከም ዞባ ሳሕል ዝኣመሰሉ ቦታታት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዘይምርግጋእ ድማ ናብ ኤውሮጳ ገጹ ዝካየድ ስደት ክቕጽል ይገብሮ ከም ዘሎ ይሕበር።

ካብዞም ዶባት ሕብረት ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝተታሕዙ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት 10 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ክዀና ከለዋ፡ 62 ሚእታዊት ድማ ብምብራቓዊ ሸነኽ ማእከላይ ባሕሪ (ቆፕሮስ፡ ክሪኽ፡ ቡልጋርያ) ዝኣተዉ ምዃኖም ይግለጽ።

ኣብ 2024፡ ካብ ጠቕላላ እቶም ስደተኛታት፡ ህጻናትን ቈልዑን 16 ሚእታዊት ይበጽሑ፣ ካብቲ ኣብ 2023 ዝተመዝገበ ከኣ ብ3 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።

ፎሮንቴክስ ኣብዚ ግዜ'ዚ 3,000 ንስርሒት ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዘዋፍሮም ሰራሕተኛታት ኣለውዎ።

ኣብ ጥሪ፡ ኣብ ስርሒት ፋሮንቴክስ ዝተሳተፈት ሽወደናዊት ሓለዋ-ዶባት ጃልባ፡ ኣብ ኢጣልያ ህይወት ሰባት ንምድሓን ወሳኒ ግደ ከም ዝተጻወተት ይገልጽ።

ንሓንቲ 58 ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ብፋይበርግላስ ዝተሰርሐት ጃልባ ዓጊታ፡ ነቶም ዋላ ሓደ'ኳ ናይ ድሕነት ጃኬት ዘይንበሮም ስደተኛታት ካብ መዓት ኣድሒናቶም።

እዚ ትካል፡ ምስ ሰበስልጣን ኢጣልያ ብምትሕብባር፡ ነዚ ሓደገኛ ጕዕዞታት ተሓተትቲ ዝዀኑ ሰባትን ጕጅለታትን፡ መስመራቶም ኣብ ምቝራጽን ምልላይን ደገፉ ይቕጽል ከም ዘሎ ይገልጽ።

admin

admin

Content creator at LTD News. Passionate about delivering high-quality news and stories.

Comments

Leave a Comment

Be the first to comment on this article!
Loading...

Loading next article...

You've read all our articles!

Error loading more articles

loader