ኣብ ዋይት ሃውስ ዘጋጠመ ንምእማኑ ዘጸግም ዲፕሎማስያዊ ቅልውላው ስዒቡ፡ ብቐጥታ ናብ ለንደን ዘምረሐ ፕረዚደንት ዩክረይን ዘለንስኪ፡ ኣብ 'ዳውኒንግ ስትሪት' ብሰር ኬር ስታርመር ምዉቕ ኣቀባብላ ተገይሩሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሰር ኬር ስታርመር፡ ነቲ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣደዳ ውርደትን ሕስረት ኰይኑ መዘራረቢ ዀይኑ ዝቐነየ ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ብምዉቕ ፍሽኽታ ተቐቢሉ እዩ ኣተኣናጊዱዎ።
ዩክረይን፡ "ሙሉእ ድጋፍ ዓባይ ብሪጣንያ" ከምእትረክብ ድማ ቃል ኣትዩሉ።
ዘለንስኪ፡ ብወገኑ "ከም ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣመሰለ እሙን መሓዛ" ብምርካቡ ሕጉስ ምዃኑ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊፁ።
ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ዘለንስኪን ሰር ኪርን፡ ንዩክረይን ወተሃደራዊ ቀረብ ዝውዕል ናይ 2.2 ቢልዮን ፓውንድ ልቓሕ ተፈራሪሞም።
እዚ ልቓሕ ካብ ዝተወርሰ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ሩስያ ካብ ዝርከብ መኽሰብ ዝኽፈል እዩ ተባሂሉ።
ሰር ኬር ድሕሪ እቲ ስምምዕ ምስ ትራምፕን ማክሮንን ብተሌፎን ምዝርራቦም ፀብፃባት ይሕብሩ።
ዝርዝር ሓበሬታ ወግዖም እንታይ ከምዝነበረ ግን ዛጊድ ኣይተፈልጠን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኬር፡ ንኲናት ዩክረይን ዝጥምት ዋዕላ መራሕቲ ኤውሮጳ፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ ለንደን ከአንግድ ምድላዋት ኣብ ዝገብረሉ እዋን እዩ እዚ ዝኸውን ዘሎ።
ሰር ኪየር፡ ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ምስ ዶናልድ ትራምፕ ንምምኽኻር ቅድሚ ሒደት መዓልታት ናብ ዋሽንግተን ከምዝተጓዕዘ ይዝከር።
ቀዳማይ ሚኒስተር እንግሊዝ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ኣብ ምቅርራብ ልዑል ተራ ክጻወት ልዑል ተበግሶታት እንተወሰደ'ኳ፡ እቲ ርክባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተጋደደ ይኸይድ ኣሎ።
ኣብ ዋሽንግተን በፂሑ ዝተመልሰ ሰር ኬር ስታርመር፡ ንፕረዚደንት ኣመሪካ- ትራምፕ ናብ እንግሊዝ መንግስታዊ ዑደት ክገብር ዝዕድም ደብዳበ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ኣረኪቡ'ሎ።
ይኹን እምበር ዋሽንግተን ምስ ዘለንስኪ ዘጋጠሞ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ስዒቡ፡ ገለ ፖለቲከኛታት ብሪጣንያ እቲ ዕድመ ክስረዝ ይጉስጉሱ ከምዘለዉ ይግለጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር፡ ትራምፕን ምክትሉን ምስ ዘለንስኪ ዘጋጠመ ትፅቢት ዘይተገብሮ ምትህልላኽን ዲፕሎማስያዊ ወጥርን ስዒቡ፡ ንኽልቲኦም ወገናት ደዊሉ "ንስ ኻ ሕደግ፡ ንስኻ'ውን ሕደግ" ኢሉ ከዘሓሕሎ ምፍታኑ ይንገር።
ይኹን እምበር፡ ትራምፕ ንፕረዚደንት ዩክረይን ዘለንስኪ "ንኣመሪካ ዝግብኣ ክብሪ ክህባ ኣይከኣለን" ብምባል ካብ ዋይት ሃውስ ክወጽእ ምስ ሓተቶ እቲ ወጥሪ ሰማይ ዓሪጉ።
እዚ ንህዝቢ ዓለም ዘሰንበደ ዲፕሎማስያዊ ቅልውላው ስዒቡ፡ ብቐጥታ ካብ ዋሽንግተን ናብ ለንደን ዝተበረረ ዘለንስኪ፡ ኣብ ኣፍደገ ሰላም 'ዳውኒንግ ስትሪት' ብዝተኻየደ ውዕዉዕ ሰልፊ 'ምሳኻ ኢና' ኢሉ ተቐቢልዎ።
ሰር ኬር፡ ንመራሒ ዩክረይን ምዉቕ ሰላምታ ድሕሪ ምሃቡ፡ "ደቂ ዓደይ ክሳብ ክንደይ ደገፍ ከም ዘለዎም ርኢኻ ዲኻ?" ኢሉዎ።
ወሲኹ ድማ፡ "ክሳብ መወዳእታ ኣብ ጎንኻን ኣብ ጐድኒ ዩክረይንን ደው ከም እንብል ከረጋግፀልካ እፈቱ" ኢሉዎ።
ዘለንስኪ ብወገኑ በቲ ዝረኣዮ ስምወዒቱ ከምዝተተንከፈ ብምግላፅ፡ "ንኹሉ ሰብ ካብ ልበይ የመስግን" ኢሉ።
ብመሰረት እቲ ተታሒዙ ዘሎ መደብ፡ ዘለንስኪ ሎሚ ሰንበት ምስ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ክራኸብ እዩ።
ኣብ ዳውኒንግ ስትሪት ድሕሪ ዘካየዶ ሓጺር ኣኼባ፡ 2.2 ቢልዮን ፓውንድ ልቓሕ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዩክረይን ኣጽዋር ንምፍራይ ከምዝውዕል ገሊጹ።
እቲ ገንዘብ ካብ ጁባ ሩስያ ዝኽፈል ምዃኑ እዩ ዝግለፅ።
"እዚ ፍትሓዊ መስርሕ'ዩ - እቲ ኲናት ዝጀመረ ዕዳ ክኸፍል ኣለዎ" ኢሉ።
ሩስያ ልዕሊ 300 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ንብረት ተሃጊሩዎ ኣሎ።
ንስጉምታትታ ትራምፕ ስዒቡ፡ እዚ ሎሚ ሰንበት ኣብ ለንደን ዝጅመር ኤውሮጳዊ ዋዕላ፡ 'እንታይ ሓድሽ ነገራት ሒዙ ይመፅእ ይኸውን?' ብዝብል፡ ብዙሕ ሰብ ብሃንቀውታ ይፅበዮ ኣሎ።
ኣመሪካ ኣብ መባእታዊ ድርድር -ምስ ሩስያ፡ ነታ ቀንዲ በዓልቲ ጉዳይ-ዩክረይንን ንሕብረት ኤውሮጳን ንኽልቲአን ንጐድኒ ገሊፉ ምንቅስቓሱ፡ ብፍላይ ንመራሕቲ ኤውሮጳ ሕማም ርእሲ ኮይኑዎም ኣሎ።
ናይ ሎሚ ዋዕላ፡ ብቐንዱ ዩክረይን ድሕሪ እቲ ስምምዕ ጸጥታ ከተውሕሰሉ እትኽእል መንገድታት ክድህስስ እዩ።
ብተወሳኺ ኣመሪካ ንዩክረይን እትህቦ ዝነበረ ድጋፍ ምቁራፃ ስዒቡ፡ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ብኸመይ ከምዝምላእ ብዝምልከት ዘተ ክካየድ እዩ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ዋዕላ፡ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ናብ ዩክረይን ንምልኣኽ ድልውቲ ምዃና ምርግጋፃ ዝዝከር እዩ።
እንተኾነ ኣመሪካ ተወሳኺ ውሕስነት ጸጥታ ክትፈጥር፡ ዩኬ ትደሊ።
ትራምፕ ብወገኑ ናብ ዩክረይን ዝኾነ ሰራዊት ከምዘየዋፍር ብዘየማትእ ገሊጹ ኣሎ።
እንተኾነ መንግስቱ፡ ክቡር ማዕድናት ንምውጻእ ኣብኡ ምህላዉ፡ ውሕስነት ኮይኑ ክርእዮ ይደልዩ።
ትራምፕ፡ ሃገሩ ናብ ዩክረይን ንዕደና እንተኣትያ ፑቲን ከምዘየፀግም ይኣምን።
ድሕሪ'ቲ ብዓርቢ ዘጋጠመ ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን ግን፡ ዶናልድ ትራምፕ ንዩክረይንክወሓብ ዝፀንሐ ደው ክብል ከምዝኣዘዘ ዝገልፁ ጸብጻባት ካብ ወገን ኣመሪካ ይወጽእ ኣሎ
እቲ ንሰለስተ ዓመታት ዝቐጸለ ወራር ሩስያ ዛጊድ ዝቐፀለ ዀይኑ፡ ኣብ ካርኪቭ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሓያሎ ዩክረውያን ከምዝቖሰሉ ይግለጽ።
ሩስያ ብወገና ካብ ዩክረይን ዝተወንጨፋ 84 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘውደቐት ትገልፅ።
Comments
Leave a Comment