ብበዲዶ ህበይ ዝተለኸፉ ሰባት ካብ ማእከላት ሕክምና ስለዝሃደሙ ሓካይም ተሻቒሎም

Facebook Twitter LinkedIn
ብበዲዶ ህበይ ዝተለኸፉ ሰባት ካብ ማእከላት ሕክምና ስለዝሃደሙ ሓካይም ተሻቒሎም

ብሰንኪ እቲ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፡ ብበዲዶ ህበይ ዝተለኸፉ ልዕሊ 500 ሕሙማት ካብ ማእከላት ሕክምና ሃዲሞም ከም ዝጠፍኡ ተገሊጹ።

ሰበስልጣን ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉጥ ትካል ጥዕና ዝዀነ ማእከላት ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ (ኣፍሪካ ሲዲሲ) እቶም ዝጠፍኡ ሕሙማት ነቲ ሕማም ናብ ካልኦት ሰባት ከላብዕዎ'ዮም ዝብል ሻቕሎት ሓዲሩዎም ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ለበዳ ሕማም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 900 ሰባት ከም ዝሞቱ መረዳእታ እቲ ትካል ጥዕና የመልክት።

እቶም ሕሙማት ካብ ትካላት ሕክምና ጎማን ቡካቩን ዝሃደሙ ኰይኖም፡ እተን ከተማታት በቶም ርዋንዳ ትድግፎም ኤም23 ከም ዝተትሓዛ ዝፍለጥ እዩ።

ሓላፊ ክሊኒክ ጎማ ዶክተር ሳሙኤል ሙሂንዶ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ "ተዘሚትና ኢና፣ ናውቲ ስኢንናን ኣብ ሓደጋ ወዲቕናን፡" ኢሉ።

ሕማም በዲዶ ህበይ ከም ቍስሊ፡ ሕማም ርእስን ሰዓልን ዝኣመሰሉ ምልክታት ከስዕብ ይኽእል።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣፍሪቃ ሲዲሲ፡ ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ዳርጋ 2,890 ሰባት ብበዲዶ ህበይ ዝተለኸፉ ኰይኖም 180 ድማ ሞይቶም።

ዶክተር ሙሂንዶ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ መወዳእታ ጥሪ ዝተኻየደ ውግእ፡ 128 ሕሙማት ካብ ማእከል ጥዕና ሙጉንጋ ጎማ ብኸመይ ከም ዝሃደሙ ገሊጹ።

ኣብቲ ክሊኒክ ዝነበረ ሰነዳት ስለ ዝዓነወ፡ ሰራሕተኛታት ኵነታት ጥዕና ናይቶም ዝሃደሙ ሕሙማት ክከታተልዎም ከም ዘይከኣሉ ሓቢሩ።

ኤም23 ኣብ ጎማ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ክዕጾ ስለ ዝወሰነ፡ ህይወት ናይቶም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ውግእ ሃዲሞም ዕቝባ ዝሓተቱ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣሰካፊ ገይሩዎ'ዩ።

ዶክተር ሙሂንዶ፡ "ሕጂ ኣብቶም ተመዛበልቲ ዝተመልስሉ ከባቢታት እቲ ለበዳ ከይለዓል ስግኣት ኣለና፡" ኢሉ።

admin

admin

Content creator at LTD News. Passionate about delivering high-quality news and stories.

Comments

Leave a Comment

Be the first to comment on this article!
Loading...

Loading next article...

You've read all our articles!

Error loading more articles

loader